ጅር ኦሚክሮን; ኣብ መላእ ኣህጒር ኣውሮጳን መላእ ዓለምን የስፋሕፋሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መራሕቲ ኣውሮጳ፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ቀይዲታት መሊሶም ክትግብሩ ምጅማሮም ተፈሊጡ።
ከምኒ ጀርመንን ፖርቱጋልን ድሮ ርሕቅርትካ ምሕላውን ካልእ ቀይዲታትን ኣብ ግብሪ የውዕላ ኣለዋ። ጅር ኦሚክሮን ድሮ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ ዓብላሊ እናኾነ መጹኡ’ሎ። እዚ ለበዳ ከም ዘለዎ እንድሕሪ ቀጺሉ ኣብ ስርዓተ ጥዕና እታ ኣህጒር ከቢድ ምምስቓል ክፈጥር ከም ዝኽእል ላዕለዋይ በዓልመዚ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃንስ ክሉጅ፡ ምጥንቃቑ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ “ሃገራት ኣውሮጳ በቲ ቁጽሪ ሓደስቲ ሕሙማት ኮቪድ ዘበራኸ ማዕበል ኦሚክሮን ከይተሰናበዳ ክዳለዋ ከም ዘለወን” ገሊጹ’ሎ።
ጀርመን ብወገና ካብ 28 ታሕሳስ ካብ 10 ሰባት ንላዕሊ ኣብ ሓደ ብሕታዊ ቦታ ከይእከቡን ለይታዊ ትልሂታት ክዕጸዋ ምዃነንን ገሊጻ’ላ። ብመሰረት እዚ መምርሒ ጸወታታት ኲዕሶ እውን ኣብ ዕጹው ስታድዬም ክሳለጥ እዩ። “መቸም እዚ ቫይረስ ናይ ልደት ዕረፍቲ ኣይክወስድን እዩ፥ ነዚ ኣብ ልዕሌና ኣንጠጥዩ ዘሎ ሓድሽ ማዕበል ለበዳ ኣዒንትና ክንዕምት የብልናን ” ክብል ቻንስለር ጀርመን ዜጋታት ንተኽእሎ ለበዳ ንቑሓት ክኾኑ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
እዚ እናኾነ፡ ፖርቱጋል እውን ካብ 26 ታሕሳስ ኣትሒዙ ለይታዊ ትልሂታት ዕጹዋት ክኾናን ካብ 9 ጥሪ ዝጅምር ግዱድ ናይ ውሽጢ ቤት ስራሕን ዝብሉ መምርሒታት ከተጽንዕ እያ። ብዘይካዚ ውልቃዊ ምትእኽኻብ፡ ናብ 10 ጥራይ ክድረት እዩ።
ብኻልእ ሸነኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ክሪስማስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕጽዋ ከም ዘይገብር ክገልጽ እንከሎ ስኮትላንድ ዌልስን ሰሜን ኣየርላንድን ግና ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ቀይዲ ከተኣታትዋ ምዃነን ገሊጸን ኣለዋ።
ኣብ ሽወደን፡ ባራት ካፌታትን ኣብያተ መግቢን ካብ ሎሚ ረቡዕ ኣትሒዘን ኮፍ ንዝብሉ ኣጋይሽ ከአንግዳን ሰባት እንተተኻኢሉ ኣብ ውሽጢ ቤቶም ኮይኖም ስርሖም ከሳልጡን ክግበር እዩ።