ኣብዚ ሰሙን፡ ብሰንኪ ኣብ መንጐ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝተኸስተ ዘይምስምማዕ ኮታ መፍረ ነዳዲ፡ ኣብ ዕዳጋ ነዳዲ፡ ጽልዋ ምሕዳሩ ይግለጽ ኣሎ። ብሰንኩ እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ዘይተራእየ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ተኸሲቱ ምህላዉ ተሓቢሩ።
በዚ ድማ መሻርኽተን ሩስያ እትርከበን 23 ሃገራት OPEC ዘተአን ክውዝፋ ከም እተገደዳን እዚ ድማ ነቲ ድሮ ብቅልውላው ለበዳ ኮሮና ተሃስዩ ዘሎ ቊጠባ ዓለም ተወሳኺ መንጸሮር ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኢማራት ዓረብ ነቲ ብሩስያን ስዑዲ ዓረብን ዝቐረበ እማመ ድሕሪ ምንጻጋ፡ እዚ ቅልውላው ምስዓቡ ተንተንቲ ይገልጹ። ብመሰረት እቲ እማመ ምጒዳል መፍረ ነዳዲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ክቕጽል እኳ እንተቐረበ፡ ኢማራት ዓረብ ግና ነዚ ኣይተቐበለቶን።
እቶም መሻርኽቲ ምዃኖም ዝንገረሎም ሚኒስተራት ጸዓት፡ ሃገራት ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ኣብዚ ጒዳይ ዘለዎም ፍልልያት ቃልዕ ድሕር ምግባሮም እዚ ቅልውላው ምኽታሉ ድማ ተገሊጹ።
“ኣብ መንጐ እዘን ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ግሁድ እዩ፡ ዘይተርፍ ዝነበር እውን ይመስል” ክብል ነባር ኣባል ማእከል ስትራቴጂያዊ መጽናዕቲ ኣህጉራዊ ጒዳያት፡ ቤን ካሂሊ፡ ገሊጹ።
“ዓቕሚ መፍረ ነዳዲ ኣቡዘቢ ምስ ኮታ ሃገራት OPEC ኣይሰማማዕን እዩ። መጠን መፈረኣ ከተዕቢ ብዙሕ ወፍሪ እያ ጌራ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።