ብሰንኪ ካብ መብራህቲታት ጎደና ዝፍኖ ዝተበከለ ብርሃን: ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ቊጽሪ ሓሸራታት የንቈልቊል ምህላዉ ተገሊጹ።
ብፍላይ እቶም ምሸታዊ (nocturnal) ህይወት ዘለዎም ዓይነታት ግዝዋ: በዚ ብርሃን ጎደናታት ኣብ ሓደጋ ምውዳቖም ተመራመርቲ ብሪጣንያ ገሊጾም ኣለዉ። ነዚ ጠንቂ ዝኸውን ዘሎ እቲ LED ዝበሃል ናይ ጎደና መብራህቲ እዩ ክብሉ እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ። ብዘይካዚ ብሰንኪ ምልዋጥ ክሊማ ምጥፋእ ባህርያዊ ሰፈርን ከሚካል ጸረ ባልዕን: ቊጽሪ ዓሌታት ሓሸራ: ብዘሰንብድ ናህሪ ይጸንት ምህላዉ እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ኣጠንቂቖም።