ኣስታት 40 ዝኾና ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ን ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ይህባ ኣለዋ። እዘን ምምሕዳራት
ከተማ ብዘይዝኾነ ምወላ መንግስቲ፡ ነዚ ይገብራ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ዘካየደቶ ዳህሳስ ሓቢሩ።
"እዚ ትምህርቲ ቋንቋ ሰባት ቀልጢፎም ንኽወሃሃዱን ስራሕ ንኽረኽቡን ክሕግዝ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎና” ክትብል ኣብ
ቫርምላንድ ምምሕዳር ከተማ ሱን ዋና በዓልቲ መዚ ትምህርታዊ ጒዳያት ኣን ዩለንዬስ ገሊጻ።
ሚኒስትር ሽቕለትን ምውህሃድን ዮሃን ፐርሾን ብወገኑ፡ መንግስቲ ን ስደተኛታት ዩክሬይን ዝኸውን ዝተፈልየ ኣገባብ ትምህርቲ
ቋንቋ የዳሉ ምህላዉ ኣመልኪቱ’ሎ።