ዓመት ንምቕባል ኣብ ዝተገብረ ናይ ሪቺት ምትኳስ ኣብ ዝተፈለለዩ ክፋል ሽወደን ሽግር ከምዝተፈጥረ ወሃቢት ቃል ፖሊስ ኣብ ደቡብ ስዊድን ዝኾነት ኢቫሊና ኦልሶን ገሊጻ።
ክሳብ ሰዓት ሓደ ወጋሕታ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ ፖሊስ ደቡብ ሽወደን ጥራሕ ምስ ሪቺት ብዝተእሳሰር ምኽንያት ጥራሕ ናይ ቲለፎን ጻውዒት ከምዝተቀበሉ ሓቢራ። እዚ ቁጽሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብሚእቲ ከምዝወሰኸ ሓቢራ።
ኣብ ማልሞ ንዝተገብረ ጻውዒት ዕሽሽ ብምባል ከምቲ ልሙድ ባህላዊ ኣገባብ ሰባት ኣብ ሞለቮንግስቶርየት ተኣኪቦም ሓድሽ ዓመት ከምዘብዓሉ ፖሊስ ሓቢሮም።
ብዝተሓሓዘ ዜና ኣብ ሶለንቱና ሰሜን ስቶክሆልም መንሰያት ናይ ኣፍ መሸፈኒ ወድዮም ናብ ፖሊስ ራኬት ከምዝተኮሱን ፖሊስ እውን በዚ ጉዳይ ክሲ መስሪቶም ከምዘለው ኣፍሊጦም።
ዝተፈላለዩ ንኣሽቱ ባርዕ ኣብ ዝተፈላልየ ቦታ ብሰንኪ ዝተተኮሱ ሪቺት ከምዘጋጠመ እውን ተሓቢሩ።