መንግስቲ ሽወደን ንነዊሕ እዋን ብምልክታት “ሕማም ኮቪድ” ንዝጥቅዑ ሰባት ዝግበር ክንክን ንምምሕያሽ ይሰርሕ ምህላዉ
ገሊጹ። ምልክታት “ነዊሕ-ኮቪድ” ካብ ሰብ ናብ ሰብ፥ ከምኡውን ካብ ዞባ ናብ ዞባ ዝፈላለ እኳ እንተኾነ፥ ብሓፈሻ ግና ሑማት
ከምኒ ብርቱዕ ድኻም፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገም፡ ናይ ምስትውዓል ጸገምን ቃንዛ ጭዋዳታትን ይረኣዮም እዩ።
"ክፍሊ “ክንክን ጥዕና” ነዚ ሕምም ብዝሓሸ ኣገባብ ክርእዮ ኣለዎ’ ክብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያትን ህዝባዊ ጥዕናን
ያቆብ ፎርሽመድ ኣመልኪቱ።
“ኣሎ ዝበሃል ብሉጽ መርመራን መጽናዕቲን ብምክያድ፥ ድሕረ-ኮቪድ ንዝኽሰት ምልክታት ንምልላይን ንምእላይን ክንጽዕር
ኢና። ብዛዕባ ኮቪድ ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ሕማማት ቫይረስ እውን፡ ሕጂን ቅድሚ ሰለስተ ዓመታትን ዘሎና ፍልጠት ኣዝዩ ዝተፈልየ
እዩ” ኢና ክብል ፎርሽመድ ወሲኹ ገሊጹ።
ብመሰረት እዚ ውጥን፡ “ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን” እዚ ሕማም ዘለዎም ሰባት ንምልላይ ከምኡውን ዘድሊ ሕክምናን
ተሃድሶን ንኽረኽቡ ዘኽእል ነገራዊን መጽናዕታዊን ድጋፋት ከማዕብል እዩ።