ናይ ይግባይ ጥርዓን ብምቕራብ ክሟገት ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ሓኪም መጥባሕቲ ፓውሎ ማክያሪኒ፥ ብ ቤት ፍርዲ ክብድ ዝበለ
ፍርዲ ተበዪንሉ። ማክያሪኒ ሰብሰርሖ ናይ ጒርጒማ (trachea) ትራንስፕላንት ኣብ ልዕሊ ተሓከምቲ ድሕሪ ምግባሩ፥ እቶም
ተሓከምቲ ብሰንኪ እቲ ትራንስፕላንት ዘማዕበሎ ተድራቢ ሕማም ብምሟቶም እዩ ተኸሲሱ ጸኒሑ። ከምዚ ዝበለ ናይ
ትራንስፕላንት ኣገባብ ኣብ ስባት ተፈቲኑ ከም ዘይፈልጥ፥ ማክያሪኒ ኣብ ልዕሊ እዞም መወትቲ ዘይግቡእ ናይ ፈተነ መስርሕ
ምክያዱን ብምጥቃስ ፥ እቲ ቤት ፍርዲ ን ማክያሪኒ ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ማእሰርቲ ፈሪዱዎ’ሎ። እንተኾነ ግና፥ ጠበቓታቱ
ማክያሪኒ ብሓላፍነታዊ ስምዒት ነዞም ኣብ ከቢድ ናይ ህጹጽ እዋን ሕማም ዝነበሩ ሕሙማት ንምድሓን ዝገበሮ እምበር፥
ብሕማቕ ድርኺት ዝወዓሎ ኣይኮነን ክብሉ ምጒቶም ከቕርቡ ጸኒሖም ኣለዉ። እንተኾነ ግና ኣኽባር ሕጊ እዚ ማክያሪኒ
ዝፈጸሞ መጥባሕቲ ትራንስፕላንት ገዚፍ ናይ ስነምግባር ጒዳይ ሓሊፉ ጥራይ እዩ ክፍጸም ዝግብኦ ኔሩ ብምባል ተጻራሪ ምጒት
ኣቕሪቡ’ሎ። ቤት ፍርዲ ይግባይ ብወገኑ፥ ማክያሪኒ ኣብ ሳልሳይ ሕሙም ዝገበሮ መጥባሕቲ ትራንስፕላንት ካብ ህጹጽ ኲነታት
ዝተበገሰ ምዃኑ ድሕሪ ምቕባል፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ተሓከምቲ ግና ንእኡ ዘገድድ ኲነታት ኣይነበረን ክብል፥ ነቲ ሕቶ ውዱቕ
ጌርዎ’ሎ።
ማክያሪኒ ነዞም መጥባሕቲታት ኣብ ኣብ ዓመታት 2011ን 2012 እዩ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ካሮሊንስካ ኣካዪድዎም። ድሕሪ
ውሳነ ፍርዲ፥ ማክያሪኒ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፥ “መርመራ ፖሊስ ከምኡ ዘይምዃኑ ኣረጋጊጽዎ እናሃለወ፡ ቤት ፍርዲ ነዞም
ተሓከምቲ ኮነ ኢለ ክሃሲ ከም እተበገስኩ ጌሩ ምቕራቡ ዘስደምም እዩ፥ ንሓደ ሓኪም ንተሓከምቲ ኮነ ኢሉ ክሃሲ ተበጊሱ
ምባል ዓብዪ ጠቐነ እዩ” ድሕሪ ምባል፥ ናብ ላለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ይግባይ ጥርዓን ከቕርብ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።