ቤት ጽሕፈት ሳንዱቕ ማሕበራዊ ውሕስነት (Försäkringskassan)፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 24/08/2020 ጀሚሩ፡ ጥርዓናት ካሕሳ፡ ናይቶም ብቐሊሉ ንሓደጋ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ቅሉዓት ተባሂሎም ዝፍለጡ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ክሰምዕ ከምዝጀመረ ሓቢሩ።
እቶም ሓተቲ ካሕሳ፡ ካብቶም ንመልከፍቲ ኮሮና ቅሉዓት ዝኾኑ ጉጅለ ምዃኖም ዘረጋግጽ ሕክምናዊ መርተዖ ሒዞም ብምምጻእ ጥርዓኖም የቕርቡ። ኣብቲ ዘቕርብዎ ጥርዓን፡ ንድሕሪት ተመሊሶም፡ ካብ 1 ሓምለ ክሳብ 30 መስከረም ናይ ዘሎ ግዜ፡ ካሕሳ ክሓቱ ይኽእሉ እዩም። ብመሰረት መንግስቲ ዝሰለዖ ድማ፡ መዓልታዊ ክሳብ 804 ክሮነር ቅድሚ ግብሪ፡ ናይ 90 መዓልታት ክፍሊት ክኽፈል እዩ። መስርሕ ክፍሊት ካሕሳ ድማ ክሳብ 30 መዓልታት ክወስድ ዝኽእል እዩ ክትብል ሓላፊት ኦፐሬሽን፡ ኦላ ክርስትያንሰን፡ ገሊጻ።
እቶም ብቐሊሉ ንሓደጋ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ቅሉዓት ተባሂሎም ዝፍለጡ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ቀጻሊ ሕክምና ዘድልዮም ሕሙማት መንሽሮ፡ ብሕማም ልቢ ዝሳቐዩ፡ ብሕማም ብዝሒ ደም ዝሳቐዩ፡ ሕሙማት ሽኮርያ፡ ዘይሓዊ ሕማም ኩሊት ዘለዎም፡ ዘይሓዊ ሕማም ሳምቡእ (ብጀካ ኣዝማ) ዘለዎም፡ ዘይሓዊ ሕማም ጸላም ከብዲ ዘለዎም፡ ልዑል ሚዛን ሰውነት (BMI > 40) ዘለዎም፡ ናይ ነርቭ ሕማም ዘለዎምን ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ዝኾኑን እዮም።