ባጀት ምክልኻል ሃገር ሽወደን ክብ ንምባል ኣብ ዝቕጽል ዓመት ብ 20 ቢልዮን ክሮነር ክውስኽ ምኻኑ ይሕበር። መንግስቲ ሽወደን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምስ ሰልፊታት ማእከል ሊበራልን ብዝገበሮ ስምምዕ ናይ 20 ቢልዮን ተወሳኺ ባጀት ናብ ምክልኻል ክስልዕ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስምምዕ ካብ 2022-2025 ኣብ ዘሎ ዓመታት ወከፍ ዓመት ሓሓደ ቢልዮን ክሮነር ወሰኽ እናተገብረ ክቕጽል እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፈን ምስዘን ሰልፊታት ኣብ ዝገበሮ ስምምዕ እዩ ኣብዚ ውሳነ ዝበጽሐ። ኣቐዲመን እዘን ሰልፊታት ነዚ እማመ ብብርቱዕ ክቃወማኦ ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ።
ሎሚ ኣብ ዝወዓለ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ፒተር ሆልክቪስት በዚ ስምምዕ ምሕጓሱን እዚ ወተሃደራዊ ምድንፋዕ ድማ ንሽወደንን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መሻርኽታን ጽቡቕ ዜና ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ብተወሳኺ ቊጽሪ ሰራዊት ካብ 60 ሽሕ ናብ 90 ሽሕ ንምውሳኽ መድርብ ምህላዉ’ውን ተገሊጹ’ሎ።