ዓቃቢያውያን ሰልፍታት (the conservatives): ብዛዕባ ግዜያዊ ምንካይ ግብሪታት ናይ ጸዓት ብዝምልከት ግዜያዊ እማመ ነቲ ባይቶ ከቕሩቡ ምዃኖም ተሓቢሩ። እዚ ውሳኔ ዝተበጽሐሉ ምኽንያት: ቅድሚ ሕጂ: መንግስቲ ካብቲ ውድብ ቀሪቡሉ ንዝነበረ እማመ ስለዘይተቐበሎ ምዃኑ መራሒ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሶን ይገልጽ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
“ከምዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሕና ነዚ እማመ ዕላዊ መልክዕ ክህልዎ ብምግባር ናብቲ ናይ ቁጠባ ሽማግለ (Finance Committee) ከነቕርቦ ኢና” ክብል ኡልፍ: ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ከም እማመ ሰልፊ ሞደራትና፡ ንወርሒ ካብ 1,500 ክሳብ 2,000 ክሮኖር ዝበጽሕ መጠን ንወርሓት ጥሪን የካቲትን ዝነከየ ክፍሊት ናይ ጸዓት ክግበር ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ኣብ ግዜ ሓጋይ ብዕጽፊ ዝተገብረ ወሰኽ ክፍሊታት ናይ ጸዓት ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝኾኑ ወነንቲ ገዛውቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ኮይኑዎም ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።
እዚ እማመ ልክዕ እቲ ኣብ ዕለት 14 ናይ ወርሒ ታሕሳስ ተቐሪጹ ቀሪቡ ዝነበረ ትሕዝቶ ዘለዎ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ እማመ ተግባራዊ ንኽኸውን፤ ዓቃባውያን ሰልፍታት: ኣብ ባይቶ ሽወደን፤ ዝለዓለ ብዝሒ ድምጺ ንክረኽቡ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ። እዚ እማመ: ብሰልፍታት ክሪስ ዲሞክራትናን ስቬርያ ዲሞክራትናን ተቐባልነት ረኺቡ እኳ እንተሃለወ: ሰልፊ ሊበራልና ግን ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት: ናይ ገዛእ ርእሱ እማመ ሒዙ ክቐርብ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።
ካብ 27 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ: እተን 20 ዝኾና: ነዚ ኣብ ኤውሮጳ ተፈጢሩ ዘሎ ወሰኽ ክፍሊታት ጸዓት ንምቅላል: ዝተፋላለየ መንገዲ ተጠቂመን ይሰርሓ ከምዘለዋ ወሃቢት ቃል ቁጠባዊ ፖሊሲ ሰልፊ ሞደራትና: ኤሊዛቤት ስቫንቴሶን: ገሊጻ።
ይኹን እምበር ብወገን መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ግዜያዊ ምልውዋጥ ናይ ዋጋታት ጥራይ ተበጊስካ ኣብ ግብሪታት ለውጢ ምትእትታው ኣይከኣልን እዩ ዝብል ተቓውሞታት ከምዘለው ተፈሊጡ’ሎ።
“ዋላ’ኳ ከምዚ ይባሃል እምበር እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት መሰረት ገይሩ መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ክንቃሳቐስ ኣለው” ክትብል ስቫንቴሶን ተተሓሳስብ። ንግብሪታት ጸዓት ምንካይ ካብ መንጽር ክሊማ ክርአ ከሎ’ውን እንተኾነ ሕማቕ ከምዝኾነ ዝለዓል ነጥቢታት ኣለው።
ኮይኑ ግና ኣብዚ ኣዋን ሓይሊ ጸዓት ዝጥቀሙ፡ ብጣዕሚ ሒደት ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ከምዝኾኑ ስቫንቴሶን መሊኣ ገሊጻ።