ተዋሳኢት ካረን ኦሊቭያ ን ስድነት ስካት ሩዲን ክጾሮ ኣይክእልን እየ ክትብል ኣብታ ብ ብራድወይ እትዳሎ ሞሊን ሩዥ ክትቅጽል ከም ዘይትደሊ ገሊጻላ። ስካት ሩዲን ኣፍራዪ ፊልም ትያትርን ኮይኑ ኣብ ተዋሳእቲ ኣዝዩ ጽዩፍ ባህርያት እይይ ዘርኢ ክትብል እታ ተዋሳኢት ገሊጻ’ላ።
ስካት ንተዋሳእቲ ክጻረፍን ኣካላዊ ማህረምቲ ከውርድ ከም ዝጸንሐ ሆሊውድ ሪፖርተር ዝተባህለ ጸብጻብ የመልክት። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ሓደ እዋን ስካት ንተዋሳኣይ ብሞኒተር ኮምፒተር ብምህራም ኣድምይዎ እዩ።
ኦሊቭያ “ካብ ጽቡቕ ገንዘብ ጽቡቕ ሞያ ክህልወኒ እየ ዝደሊ” ክትብል ብ ውሳኔኣ ከም ዘይትጠዓስ ገሊጻ’ላ።
ቢቢሲ ሩዲን ብዛዕባዚ ጒዳይ ርእይቶ ክህብ ሓቲታቶ ኣላ። ሩዲን ኣዳላዊ ማሊን ሩዥ ኣይኮነን። ኦሊቭያ ካብዛ ስራሕ ከተዝልቕ ካብ እትገደደትሉ ምኽንያታት እዚ ኹሉ እናኾነ ኣፍራዪ እታ ፊልም ስቕታ ምምራጹ ምዃኑ እውን ገሊጻ’ላ።
ስካት ተዓዋቲ ሽልማታት ቶኒ፥ ኤሚን ግራሚን ኮይኑ ኣብ ሙዚቃዊ ፊልምታት ብምውሳእ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ 2008 ነታ No Country For Old Men ዘርእስታ ፊልም ምስ ካልኣዩ ብምዃን ብምፍራዩ ሽልማት ኦስካር ወሲዱ ምንባሩ እውን ይፍለጥ። ብዘይካዚ The Girl With The Dragon Tatoo ከምኡውን Social Networks ሓዊስካ 151 ን ሽልማት ኦስካር እተሓጽየለንን 23 እዚ ሽልማት ዘዐወታኦን ፊልምታት ምፍራዩ ሃሊዉድ ሪፖርተር የመልክት።