ዩክሬናያን ስደተኛታት፡ ብመሰረት ናይ ህጹጽ እዋን ውጥን ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ስራሕ ኣባይቲን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ክረኽቡ መሰል ከም ዘለዎም ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኣብ 2001 ን ኣዕናዊ ኲናት ባልካን 1990ታት ምኽንያት ብምግባር ዝተኣታተወ ፓኬጅ እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግና፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ፕሮፌሰር ፖሊሲ ዕዳጋ ዕዮ ኤስኪል ዋደንሾ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይዚ ግዜያዊ ዳይረክቲቭ ሓደ ሃጓፍ’ ዩክሬናውያን ቋንቋ ሽወደን ንኽመሃሩ ከም መሰል ዘየቐመጠ ምዃኑ እዩ ኢሉ። “ኣብዚ መምርሒታት እቱዋት ዝኾኑ፡ ቋንቋ ሽወደን ክመሃሩ ከም ዘድልዮም ክንርዳእ ከድልየና እዩ፡ ፖለቲከኛታት ነዚ ክዝትዩሉ ከድልዮም እዩ። እንተኾነ ግና፡ እዚ ዝተፈላለየ ፍታሓት ክረከበሉ ዝግባእ ሕቶ እዩ” ክብል ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ገሊጹ’ሎ።