ቊጠባ ሽወደን ብምኽንያት ዓለማዊ ንግዳዊ ቊርቊስን ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝሕታለ ምርኣዩ፥ እንተኾነ ግና መንግስቲ እኹል ምድላው ጌሩ ምህላዉ ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊን ኣንደርሶን ሓቢራ። “ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝነበረ ብርቱዕ ንግዳዊ ቊርቊስ ኣመሪካን ቻይናን ዓብዪ ማዕበል ቅልውላው ፈጢሩ ምጽንሑ እውን እታ ሚኒስተር ኣብሪሃ።
መንግስቲ ብቐንዱ ዘይሻራዊ ገንዘባዊ ፖሊሲ ክኽተል ምጽንሑን ቊጠባ ምዝሕታል ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ጽንኲር ፖሊሲ ምኽታል ከም ዘየዋጽእን ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ንሳ ብተወሳኺ ሽወደን ነዚ ንምምካት ዘኽእላ እኹል ምድላዋት ጌራ ምህላዉ ገሊጻ’ላ።
ቀጻልነት ዘለዎ ቊጠባ ሽወደን ንምህናጽ ኣገዳስነት ዓበይቲ ወፍሪታት ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስሚራትሉ’ላ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ምምዕባል ሰብኣዊ ድሕነት ምፍጣር ስራሕን ዘመናዊት ሽወደንን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑን እቲ ዝዓበየ ብድሆ ምልዋጥ ክሊማ ምዃኑን ገሊጻ’ላ።