ነቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለምና ቀንዲ መለለዪ መልክዕ ኮይኑ ዘሎ ቅጥኒ ክዕቅባ ዝደልያ ኣሽሓት ደቀንስትዮ ኣፐታሚን ዝበሃል መድሃኒት ይወስዳ ምህላወን ተገሊጹ። እዚ ብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወዓዋዕ ዘሎ መድሃኒት ብቕልጡፍ ነቲ ኣወርግላስ እናተባህለ ዝፍለጥ ቊመና ኪም ካርዳሽያን ከጐናጽፈን ከም ዝኽእል ተጌሩ ይቐርብ ምህላዉ እውን ተሓቢሩ። እዚ መድሃኒት ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብዙሓት ደቀንስትዮ እኹል ግንዛበ ከም ዘይብለንን ብዘይግቡእ እንተ ተጠቒምካሉ ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከኸትል ከም ዝኽእል ነዚ ኣመልኪቱ እተዳለወ Dangerous Curves: Get Thicc, Get Sick? ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ቢቢሲ ይገልጽ። ኣፐታሚን ሕጋዊ ፍቓድ ዘይተዋህቦ መድሃኒት እዩ፥ ስለዚ ድማ ነዚ መድሃኒት ምሻጥ፥ ምቕራብ፥ ምውዕዋዕ ኮነ ካልእ ዘይሕጋዊ እዩ” ክብክ ኤጀንሲ ምቊጽጻር መድሃኒትን ውጽኢታት ክንክን ጥዕናን ገሊጹ’ሎ።