ሽወደን ክሊማዊ ሸቶኣ ንምህራም እትገብሮ ዘላ ግስጋሰ ኣብ 2022 ምዝሕሓል ከም ዘርኣየ፥ “ቆንስል ክሊማዊ ፖሊሲ
ሽወደን” ትማል ንግሆ ኣብ ዘዳለዎ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። እቲ ቆንስል፥ ን ፖሊሲ ኣከባቢ ዝሓለፈ ይዂን ሕጂ ዘሎ
መንግስቲ ብርቱዕ ነቐፌታ ከውርድ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። “ኣብዚ ጒዳይ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ፖሊሲ መንግስቲ እዩ። ህሉው
ፖሊሲ መንግስቲ፡ ፈነወ ካርቦን ኣብ ቀረባ መጻኢ ንክውስኽ ዝገብር ብምዃኑ ሓደገኛ እዩ” ክትብል ኣደመንበር እቲ ቆንስል
ሲሲልያ ሀርማንሰን ገሊጻ’ላ።
ፈነወ ካርቦን ክውስኽ ካብ ዝገብሩ ዘለዉ ምኽንያታት፡ እቲ ንንከያ ተባሂሉ ዝወጸ ለበዋታት ማለት ባይፍዩል ምስ ጋሶሊንን
ዲዘልን ክሕወሱ፡ ምጒዳል ቀረጽ ነዳዲ፡ ምውጋድ መካይን ኤለትሪክን ካሕሳ ርሕቀትን ዘይምቕያሮም እዩ ክትብል ሲሲልያ
ገሊጻ’ላ። መንግስቲ ካብ ፎሲል ናጻ ዝኾነ ምንጪ ጸዓት ኤለትሪክ የናዲ ምህላዉ፥ እቲ ቆንስል “ኣዝዩ ንእሽቶ” ጻዕሪ እዩ ክብል
ኣዋዲቕዎ’ሎ። ብተዛማዲ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ን ፖሊሲ ክሊማ ኣብ ምዕቃብ ዝሓሸ ምንቅስቓስ የርእያ ምህላወን
ብምጥቃስ እቲ ጸብጻብ ንኢዱ።
እዚ ጸብጻብ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን እተረኽበት ሚኒስተር ክሊማን ኣከባቢን ሮሚና ፑርሞኽታሪ ብወገና፥ ገምጋም እቲ ቆንስል
ቅኑዕ እዩ ኢላ ከም እትኣምን፥ መንግስቲ ኸኣ ውጥን ትግባረ ፖሊሲ ክሊማ ንምትግባር ይሰርሕ ምህላዉን ገሊጻ’ላ።