ኣካላት ወዲ ሰብ በብዘካይድዎ ንጥፈታት፡ ምስ ምሉእ ጥዕናና ብሂወት ክንነብር ይሕግዙ። እዞም ብዝያዳ ዝጥቀሱ ክፋል ኣካላት፡ ማለት ልቢ፡ ኩሊት፡ ሓንጎልን ካልኦትን ልዕሊ ማንም ኣገደስቲ እዮም ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ወዲ ሰብ፡ ብዘይካ’ዚኦም፡ ብዝተፈላለዩን ኣገደስትን ኣካላት ዝቖመ ስለ ዝዀነ። ኩላቶም ድማ፡ በብዕዮኦም ኣካል ሰብ የቑሙ።

ቆርበት፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ኣካል ወዲ ሰብ እዩ። ብተወሳኺ’ውን እቲ ብቐዳምነት ዝረአን ዝሰፍሐ ክፋል ዝሓዘን ምዃኑ፡ ፈለማ ከም ዝዝከር ይገብሮ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ግን፡ ካብ’ቶም ኣካልና ንኽቐውም ዝሕግዙ ቀዳሞት ክፋላት ተባሂሉ ብብዝሒ ኣይጥቀስን እዩ። ይኹንደኣ’ምበር ቆርበት ወዲ ሰብ ሽዱሽተ ብ ቐ ዳ ም ነ ት ዝ ጥ ቀ ሱ ጥ ቕ ም ታ ት ኣለዎ። ካብ’ዚኦም ሓደኡ ስርሑ ምስ ዘቋርጽ፡ ኣዝዩ ከቢድ ሕማም ካብኡ ሓሊፉ’ውን ሞት ከስዕበልና ይኽእል።
ቆርበት፡ ካብ ብደገ ዘጋጥም ጉድኣት፡ ምቖት፡ ብዝተፈላለዩ ቀመማትን ጸሓያዊ ጸርግን ዝወርድ ማህሰይቲ ይከላኸለልና። ብተወሳኺ’ውን ንምቖት ኣካላትና ብቐሊሉ ይቆጻጸር። ቆርበት፡ ብደጋዊ ክፋል ኣካላትና ቆይሙ ካብ ዝተፈላለዩ ጸገማት፡ ነድርን ቁጥዐን (ኣለርጂን) ይከላኸል። ሜታቦሊካዊ ስራሕ (metabolic function) ናይ ቆርበት፡ ንወሃዮታት ዘድሊ ፕሮቲን ከምኡ’ውን ‘ቪታሚን ዲ’ የፍሪ። ቆርበት፡ እቲ ዝተፈልየ ህዋሳዊ ኣካል ወዲ ሰብ እዩ። እዚ ክፋል – ምቖት፡ ዋዒ፡ ቁሪ፡ ብርሃን፡ ቃንዛ፡ ምንቅስቓስን ካልኦትን ከለሊ ይኽእል። እዚ ሽፋን ጥራይ ኰይኑ ዝስመዓና ኣካል፡ ኣብ ሂወትና ኣዝዩ ኣገዳስን ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዝከላኸልን እዩ።