ብመሰረት ውሳነ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቱን፡ ፖሊስን ወተሃደራትን ሩስያ ክሳብ 1700 ክሮነር ዝግመት ህያብ ገንዘብ ክወሃቦም እዩ ተባሂሉ ክብል ማዕከን ዜን ተተ ሓቢሩ።
ፑቲን፡ እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ሰልፊ ሕብረት ሩስያ፡ ቅድሚ ባይቶኣዊ ምርጫ ዘለዎ ተፈታውነት ክውስኽ ንምግባር እዩ ተባሂሉ’ሎ። ባይቶኣዊ ምርጫ ሩስያ፡ ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ወርሒ ካብ ዕለታት 17 ክሳብ 19 ክካየድ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ሩስያ ብምኽንያት ዝተኸስተ ዝቕባበ፡ ሰልፊ ሕብረት ሩስያ፡ ኣብ ህዝቢ ዝነበሮ ደገፍ ከም ዘንቈልቈለ ተንተንቲ ይገልጹ።
እዚ ኣብ ወርሒ መስከረም ክኽፈል እዩ ተባሂሉ ዘሎ ህያብ፡ ንጡረተኛታት፡ ቅድሚ ምርጫ ዝተዋህበ ናይ 1000 ክሮነር ዝግመት ገንዘብ ስዒቡ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ ምርጫ፡ ሰልፊ ፑቲን (ሕብረት ሩስያ) 30% ናይ ደገፍ ድምጺ ጥራይ ምርካቡ ምንጪታት ይሕብሩ።