ንሻሙናይ መዓልቱ ዝቐጸለ ግርጭት ፍልስጤማውያንን እስራኤልን ኣብ ቓዛ ኣመልኪቱ: ፕረዚደንት ኣመሪካ: ጆ ባይደን: ምቊራጽ ተዂሲ ክካይድ ጸዊዑ’ሎ።
ኣመሪካ ምስ ግብጺን ካልኦት ሃገራትን ብምዃን ምቁራጽ ተዂሲ ንምርግጋጽ ትሰርሕ ምህላዋ ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ከም ዝሓበሮ ቢቢሲ ሓቢራ’ላ። እንተኾነ ግና ኣመሪካ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምቁራጽ ጎነጽ ክረጋገጽ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝዓጸወቶ ተግሊጹ። ግርጭት ፍልስጤምን እስራኤልን ሕጂ ናብ ካልኣይ ሰሙኑ ሒዙ ምህላዉን ኣብ ቀረባ ዝውዳእ ከም ዘይመስልን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብዚ ጎነጽ 61 ህጻናት ዝርከብዎም 212 ኣብ ቓዛ ክሞቱ ኣብ እስራኤል ከኣ 2 ህጻናት ዝርከብዎም 10 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝተቐትሉ እቶም ዝበዝሑ ዕጡቓት ምዃኖም ዝተለከሙ ሲቪል ከኣ ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዘይነበሩ እያ ትገልጽ። ንቓዛ ዘመሓድር ሓማስ ግና እስራኤል ኮነ ኢላ ሲቪላውያን ዒላማ ትገብር ምህላዋ እዩ ዝገልጽ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ: ጆ ባይደን: እስራኤል ድሕነት ሲቪላውያን ንምሕላው ኣድላዪ ጥንቃቐ ክትገብር ጸዊዑ’ሎ።