ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ልዑል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ናእሽቱ መንእሰያት ብፍላይ ከምዝተሃስዩ ጸብጻባት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ናይዚ ጽልዋ ድማ፡ ኣብ ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን፡ ኣንጸባሪቑ ኣሎ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 29 ዓመት ዘለዉ ክፍሊት መንበሪ ኣባይቲ ዝሓተቱ መንእሰያት፡ ቁጽሮም ክዓቢ ከምዝተራእየ ሓቢሩ። ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣብ ዘሎ እዋን፡ 81,800 ወነንቲ ኣባይቲ ዝኾኑ ናእሽቱ መንእሰያት፡ ክፍሊት መንበሪ ገዛ ሓቲቶም ከምዘለዉን እዚ ድማ ምስቲ ካብ ሚያዝያ 2019 ክሳብ መጋቢት 2020 ዝነበረ ናይ 74,500 ብምንጽጻር፡ ዕቤት ከምዘርኣየ ተገሊጹ።
እዚ ዝተራእየ ዕብየት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ሽቕለት ኣልቦነት ክኸውን ከምዝኽእል ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ገሊጹ። ብዝሒ ጠለብ ክፍሊት መንበሪ ገዛ ምብዝሑ፡ ብዙሓት ክኽፈሉ እዩም ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ክፍሊት መንበሪ ገዛ ኣብ ኣታዊታት ናይቲ ሰብን ዋጋ እቲ ገዛ ዝምርኮስ ስለዝኾነ።
ክፍሊት መንበሪ ገዛ፡ ንቆልዑ ዝሓዙ ወነንቲ ኣባይቲን ንኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 29 ዓመት ዘለዉ መንእስያትን ጥራይ ዝወሃብ ምዃኑ ይፍለጥ።