ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮፓ፡ መጠን ዘቤታዊ ፍርያተን ከንቆልቁል ተራእዩ። ኣብ ሽወደን ግን ብተዛማዲ ዝሓሸ ምዃኑ TT ገሊጹ።
ሽወደን፡ ንቅልውላው ኮሮና፡ ብዝሓሸ ኣገባብ ትሰግሮ ኣላ ክብል ኣብ ባንክ SEB ላዕለዋይ ክኢላ ስነ-ቁጠባ፡ ሮበርት ቤርግክፊስት፡ ገሊጹ። ንሱ፡ ንኣሃዛዊ መጠን ዜቤታዊ ፍርያት ሽወደን ምስ እንዕዘብ፡ ጽልዋ ቅልውላው ኮሮና ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ዘርኢ እዩ ክብል ይገልጾ። ከም ክኢላ ቁጠባ፡ ነዚ ዝመስል ምንቁልቋል ኣሃዛዊ መጠን ርእየ ኣይፈልጥን እየ ክብል ንቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ቁጠባዊ ሃስያ ይገልጾ።
ካብ ሃገራት ኤውሮፓ ብሕማቕ ዝተሃስየት፡ እስፓኛ፡ መጠን ዘቤታዊ ፍርያት ናይ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ብ 18.5% ከንቆልቅል እንከሎ፡ ኣብ ፈረንሳይ ብ 13.8%፡ ኣብ ጣልያን ድማ ብ 12.4% ከምዘንቆልቀለ ጸብጻባት ሓቢሮም። ማእከላይ ገምጋም ምንቁልቋል መጠን ዘቤታዊ ፍርያት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ድማ 11.9 % ክበጽሕ እንከሎ ናይ ሃገራት ከባቢ ዩሮ ድማ ብ12.1% ምንቁልቋሉ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ኣሜሪካ ድማ 9.5% ምምጋቡ ተሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን፡ መጠን ምንቁልቋል ዘቤታዊ ፍርያት፡ ዕለት 5/08/2020 ክሕበር እኳ እንተኾነ፡ ካብተን ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓ ዝሓሸ ከምዝኸውን ገምጋማት ይሕብሩ። SEB ባንክ፡ ንመጠን ምንቁልቋል ብ8% ክግምግም እንከሎ፡ እተን ዝተረፋ ባንክታት ግን ካብ 7% ክሳብ 8.5% ክኸውን ከምዝኽእል ገምጋመን ከምዝሓበራ ተፈሊጡ።