ፕረዚደንት ቱኒዝያ፡ ቃኢስ ስዒድ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣን ብምውራድ ንባይቶ እታ ሃገር ምዕጻዉ ኣፍሊጡ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብታ ሃገር ንእተኸስተ ብርቱዕ ተቓውሞ ስዒቡ ምዃኑ ተመልኪቱ። ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሽየም ምዃኑ ፕረዚደንት ቃኢስ ኣመልኪቱ’ሎ።
ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን እታ ሃገር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዘይምቅዳው ከም ዝጸንሐ ጸብጻባት የመልክቱ። እዚ እናኾነ፡ ኣፈኛ ባይቶ፡ ራሺድ ቓኑሺ፡ በዚ ተግባሩ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ስዒድ ዘለዎ ነቐፌታ ገሊጹ’ሎ።
ኣሽሓት ዜጋታት ቱኒዝያ ንኣታሕዛ ለበዳ ኮሮና ብምቅዋም ኣብ ፊት ህንጻ ባይቶ እታ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም፡ ንሰልፊ ኣልናህዳ ምንቃፎምን ዝፍለጥ እዩ። እቶም ሰልፈኛታት፡ ባይቶ እታ ሃገር ክብተን ሕቶ ምቕራቦም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ብርክት ዝበሉ ካብዞም ተቓወምቲ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣእማን ዝስንድዉ ዝነበሩ ተቓወምቲ፡ ፖሊስ፡ ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶምን ኣመልኪቱ።
12 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሃገረ ቱኒዝያ ዛጊት 18 ሽሕ ዜጋታት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ምሟቶምን እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቊጠባዊን ማሕበራዊን ጸገማት ከም እትርከብን ተገሊጹ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ ኣብ ቱኒስ ኣብ ከተማታት ቓፍሳ፡ ኸይሯን፡ ሙናስቲር፡ ሶሳን ተዝዑርን እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ተኻዮዶም ኣለዉ።