ሎሚ ዘይንቡር ወይ ምቹእ ኵነታት ኣየር፡ እተመችእ መዝሓሊት “ኣየር ኮንዲሽነር” ኣላትና። ካብቲ ጸላዕላዕ ዘብል ሃሩር ናብ ከትከት ዝብል ዛሕሊ ትቕይረልና።
ኣብዛ ዓለም ዝርከቡ ምህዞ ብእተፈላለየ መገዲ እተማህዙ እዮም፣ ገለኦም ብኣጋጣሚ፡ ገለኦም ብዕላማ፡ ገለኦም ንኻልእ ምህዞ እናተፈተነ ንእግረመገዶም እተረኽቡ’ዮም። ኣየር ኮንዲሽነር ክትመሃዝ እንከለና ኸኣ ‘መዝሓሊት’ ንኽትከውን ተባሂላ ኣይኰነትን።
‘ነትዎርክ ፒችቸር ፕሪንቲን ፕላንት’ እተባህለ ትካል ስእሊታት ክሓትም እንከሎ ብጥንቃቐ ከምቲ ዝደለዩዎ ሕብሪ ሒዙ ንኽሕተም ድሩቕ ኣየር የገድሶም ነበረ። ምኽንያቱ እቲ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ወረቐት ብቐሊሉ ጠሊ ይስሕብ ስለ ዝነበረ።
እዞም ትካል ብ1902 ንኣሜሪካዊ ዊልስ ከሬር፡ ጠሊ ስሒቡ ዘውጽእ ማሽን ክሰርሓሎም ሓበሩዎ። እዚ ኣሜሪካዊ መሃዚ ኸኣ ጠሊ ስሒባ ንኸተውጽእ ብምባል ‘ኣየር ኮንዲሽነር’ መሃዘ።