ቀዳመይቲ ሚኒስተር ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ፊንላንድ፡ ብዝቐልጠፈ ናብ ኔቶ ምጽንባር ከም ዝድግፉ፡ ትማል ሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ሓቢሮም ኣለዉ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሳና ማሪን፡ ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ሳውሊ ኒኒስቶ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሃገሮም ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ምጽንባራ “ንድሕነት እታ ሃገር ዝያዳ ዘውሕስ” ከም ዝኸውን ጠቒሶም ኣለዉ።
እዚ እናኾነ፡ ጐረቤት ፊንላንድ ዝኾነት ሽወደንከ ኣሰር ፊንላንድ ትስዕብ ዶ ትኸውን፡ ዝብል ሕቶ ተለዓዒሉ ኣሎ። ካብዘን ክልተ ሃገራት ኖርዲክ፡ ሓዲአን ጥራይ ኣባል ኔቶ እንተኾይና፡ ኣብ መንጎ እዘን ናይ ሓባር ዶብን ወተሃደራዊ ሽርክነትን ዘለወን ሃገራት ዝጸንሐ ዝምድና ክቕየር ከም ዝኽእል፡ ጋዜጠኛ ጉዳያት ምክልኻል ሬድዮ ሽወደን ማት ኤሪክሰን ገሊጹ’ሎ። “ክልቲኣትን ሃገራት፡ ኣዝዩ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለወን ርጉጽ እኳ እንተኾነ፡ ሕጂ’ውን ሽወደን ናብ ኔቶ ምጽንባር ዝብል ሓሳብ ክትነጽጎ ትኽእል እያ” ኢሉ’ሎ ኤሪክሰን።