ካብ ሓሙስ ጀሚሩ፡ ኣብ ዕጹው ኣደራሻት ዝካየዱ ህዝባውያን ኣጋጣሚታት ክሳብ 3 ሚእቲ ኣብ ደገ ድማ ክሳብ 3 ሽሕ ሰባት ክእከቡ ኣብ ውልቃውያን ኣጋጣሚታት ድማ ክሳብ 50 ሰባት ክእከቡ ከምዝተፈቕደን በዚ ድማ እቶም ጸኒዖም ዝጸንሑ ቀይድታት ኮሮና ክፎኽሱ ከምዝጀመሩ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ለና ሃለንግሪን፡ ሚኒስተር ባህላዊ ጉዳያት፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ዳይረክተር ጀነራል በዓልመዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሶንን ኣብ ዝገበርዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ክጎድል ከምዝተራእየን ኣስታት 57% ካብ ዜጋታት ሽወደን፡ እንተወሓደ፡ ሓደ እብረ ክታበት ጸረ ኮቪድ ዝተኸትቡ ብምዃኖም እዩ። ሓደ ካብ ሰለስተ ሽወደናውያን ድማ ምሉእ እብረ ክታበት ዝወሰደ እዮ።
ይኹን እምበር፡ ኣንጻር ኮቪድ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብዙሕ እኳ እንተተጓዓዝና፡ ካብ ለበዳ ኮሮና ጌና ስለ ዘይተናገፍና፡ ዝግባእ ጥንቃቐታት ካብ ምግባር ኣይንዘንግዕ ክብል፡ ካርልሶን፡ ኣዘኻኺሩ።