ሃገረ ጀርመን፡ ንመጀመርያ ግዜ፣ ምሉእ ብሙሉእ ብማዕረ ጾታ ዝቖመ መንግስቲ ክህልዋ እዩ ክህልዎ እዩ።
ማዕርነት ጾታ ኣገዳሲ ‘ዩ ንዓይ፡ ካብቶም 16 ሚኒስተራት፡ 8 ደቂ-ተባዕትዮን 8 ደቂ-ኣንስትዮን ክኾኑ’ዮም” ክብል ዝመጽእ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ተዛሪቡ።
መላፍንቲ ዝኾነ፣ ሓምላይ ሰልፊ፣ ናይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቦታ ክወስድ እዩ። ገለ ካብቲ ዝዓበየ መደባት፣ ኣባል ሾሻል ዴሞክራሲ ዝኾነ ሾልዝ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ንክርስቲነ ሌምበርችት፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ድማ ንናንሲ ፋይዝር ምሃብ’ዩ።
ዋላ ውን ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ኣስማት፣ ካርል ሉተርባኽ፣ ኣባል ሾሻል ዴሞክራሲ ‘ዩ። ንሱ ዝፍለጠሉ፣ እሙን ደጋፊ ተሪር ሕግታት ኣብ ግዜ ለበዳ ኮይኑ፡ ሕጂ ድማ ሚኒስተር ጥዕና ኮይኑ ኣሎ።
መራሒ ሳልሳይቲ ልፍቲ፣ ሰልፊ ሊበራል ዴሞክራሲ ዝኾነ፣ ክርስትያን ሊንድነር ውን ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ።
ሓድሽ መንግስቲ ኦላፍ ሾልዝ፣ ንሮቡዕ ኣብ ባይቶ ጀርመን፣ ኣፍልጦ ንክወሃቦ መደብ ተታሒዝሎ ኣሎ።