ጽኑዕ ሓለዋ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ፡ ቤት ማእሰርቲ ጊልቦው፡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ፍሌስጤማውያን እሱራት፡ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ሞሊቖም ከም ዝምለጡ፡ ሰብ መዚ እስራኤል ሓቢሮም።
እቲ ናይ ምምላጥ መስርሕ፡ ካብቲ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ዝነበረ ናይ መሕጸብ ኢድ ቦታ፡ ክሳብ ካብቲ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ዝኾነ ከባቢ ገለርያ ብምኹዓት፡ ብኡ ኣቢሎም ከምዝወጹ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቶም ዝወጹ ሽዱሽተ ፍሌስጤማውያን እሱራት፡ መራሒ ናይታ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እትርከብ፡ ጀኒን፡ ዝነበራ ጭፍራታት ሰማእታት ኣልኣቕሳ ዝኾነ ዘከርያ ኣልዙበይዲ፡እዩ።
ሰዓት 3 ወጋሕታ፡ ኣብቲ ከባቢ፡ ሰባት ክንቀሳቐሱ ከምዝረኣዩ፡ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባሮም፡ እቲ ኩነታት ከምዝተፈልጠ፡ ሰብ መዚ እስራኤል ገሊጾም።