ካብ ዕለት 31 ግንቦት ጀሚሮም፡ ካብ ሃገራት ኖርዲክ ዝመጹ ገያሾ፡ ናብ ሽወደን ክኣትዉ ፍቑድ ክኸውን ምዃኑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ይኹን እምበር፡ እዚ ውሳኔ፡ ብወገን ሽወደን ጥራይ ዝተመሓላለፈ ኮይኑ፡ ብዛዕቢ እዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ዝተረፋ ኣባላት ኖርዲክ ዝኾና ሃገራት ዴኒማርክ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይን ኣይስላንድን ዝሃበኦ ሓበሬታ ከምዘየለ ዝገለጸ፡ ዳምቤሪ፡ እተን ዝተረፋ ሃገራት፡ ተመሳሳሊ ውሳነ ንኸመሓላልፋ ተስፍኡ ገሊጹ።
እቶም ካብዘን ሃገራት ዝመጹ ገያሾ፡ ምስክር ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ምርኣይ ኣይከድልዮምን እዩ ክብል፡ ዳምቤሪ፡ ሓቢሩ።