ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ መጠን ዝቕባበ 9.7% ምንባሩ፡ እዚ ድማ ካብታ ቅድሜኣ ዝነበረት ወርሒ ከም ዝልዕልን
ብሓፈሻ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ተንተንቲ ወጻኢ ምዃኑ፡ ካብ ትካል ስታቲስቲክስ ሽወደን እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም።
ምኽንያት ናይዚ ዝቕባበ ወሰኽ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክን ነዳዲን ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ዋጋታት መግቢ፡ ክዳውንቲን ጫማታትን
እውን ንሂሩ ምህላዉ ኣመልኪቱ’ሎ።
እዚ መጠን ዝቕባበ፡ ንብዙሓት ስድራቤታት መነባብሮአን ዝጸንከረ ክኸውን ዝገብር ክስተት እዩ ክብል፡ ኣብ ባንክ SBAB ዋና
ክኢላ ስነቚተባ ሮበርት ቦኢ፡ ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ።