ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ሽወደን፡ ካብ 10.8 ክሳብ18 ሚልዮን ዝብዝሑ መድሃኒት ክታበት ኮሮና ክትቅበል ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣዋሃሃዲ ሃገራዊ ክታበት፡ ሪቻርድ ቤሪስትሮም፡ ክብል ከምዝሓበረ ጋዜጣ ዳጊነዝ ኒሄተር ኣብ ዓምድታቱ ጽሒፉ። ሽወደን፡ ክትርከቦ ተወጢኑ ዘሎ ብዝሒ መድሃኒት፡ ንምሉእ ህዝቢ ሽወደን ዝኣክል ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ ዝቕጽል ዓመት፡ እኹል ዘይኮነ መድሃኒት ክንቅበል ተኽእሎታት ኣሎ። እቲ መድሃኒት፡ ውሑስን ኣድማዕን ኮይኑ እንተድኣ ተረኺቡ፡ ንዝደለየ ሰብ፡ ክታበት ክንህቦ ክንክእል ኢና።
እቲ መድሃኒት፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ ዓመተ 2021 ክታበት ክጅመር እዩ ክብል ቤሪስትሮም ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሽወደን፡ ምስ ኤውሮፓዊ ሕብረትን መፍረ መድሃኒት ዝኾነ ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ፡ ኣስትራ ዚኒካን፡ ብዛዕባ ቅቡል ዝኾነ መድሃኒት፡ ክታበት ኮሮና፡ ብዝምልከት ሓባራዊ ስምምዕ ከምዝፈረመት ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
ሽወደን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ክልተ መድሃኒት ክታበት ኮሮና ዘፍርያ ኩባንያታት ዘተ ተካይድ ምህላዋ ቤሪስትሮም ብምውሳኽ ሓቢሩ።