በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ነቲ ብመድሃኒት ክታበት ኮሮና ክፍጠር ዝኽእል ጽልዋ ንምግምጋም፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝተኸትበ ዜጋ፡ ስም፡ ዝሓዘ መዝገብ ከዳሉ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ መዝገብ፡ ንኣስማት ናይ ዝተኸትቡ ሰባትን ዝወሰድዎ ዓይነትን ግዜ ክታበትን ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ዝሓቖፈ ኮይኑ ምስ ሓበሬታ ጥዕናዊ ታሪኽ ናይ ዝተኸትበ ዜጋ ክነጻጸር እዩ ክትብል ኣብ ኣሃዱ መድሃኒታት፡ ሓላፊት ውሕስነት መድሃኒት፡ ኦላ ሊሚንጋ፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ሓቢራ።
ኣብ እዋን ኢንፍሉዌንዛ ሓሰማ፡ ዝኾነ ዓይነት መዝገብ ናይቶም ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ብዘይ ምንባሩ፡ 500 ሰባት ብኣሉታዊ ጎኒ ናይቲ ክታበት ተጸልዮም ከምዝነበሩ ይዝከር። እንተኾነ፡ ብሰንኪ መዝገብ ዘይምንባሩ፡ ጸገም ናይቶም ሰባት፡ ድሕሪ ብዙሕ እዋንን ስቓይን ክፍለጥ ከምተኻእለ ይዝከር።
ናይ ክታበት መድሃኒት፡ ኣብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ተፈቲኑ ጽቡቕ ውጽኢት’ኳ ዝህብ እንተኾነ፡ ኣብ ውሱናት ሰባት ግን ዘይንቡር ኣሉታዊ ጽልዋ ክገብር ይኽእል እዩ ክትብል፡ ሊሚንጋ፡ ወሲኻ ገሊጻ።
ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ሽወደን፡ ክታበት ኮሮና፡ ንምውሳድ ይጠራጠር ምህላዉ ጸብጻባት በዓል መዚ ህጹጽ ረድኤትን ህዝባዊ ውሕስነትን ይሕብሩ።
ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ጥቕሚ ክታበትን፡ ሓደገኝነት ሕማም ኮቪድ-19 ዘሎ ፍልልይ ከመዛዝን ይግባእ። ሓደጋ ከምዘሎ እናፈለጥና መኪና ንዝውር፡ ብዘይ መከላኸሉ ብሽግለታ ንውጣሕ፡ ስለዚ ሓደገኝነት ናይ ሕማም ኮቪድ-19 ልዕሊ ኣሉታዊ ጽልዋ ናይ ክታበት ክኸውን ይኽእል እዩ ክትብል ሊሚንጋ፡ ዘረባኣ ዛዚማ።