ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ 79 ሽሕ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም። በዚ ድማ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን ናብ 449 ሽሕ ሰብ ክብ ምባሉን እዚ ድማ 8.2% በጺሑ ከም ዝርከብ ሃገራዊ መደበር ቆጸራ ሽወደን SCB ሓቢሩ። መባእታዊ ጸብጻባት ሽቕለት ኣልቦነት ከምዝሕብሮ፡ እቲ መጠን ካብቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝነበሮ ናይ 7.2% ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ 7.9% በጺሑ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ ክብል ቤት ጽሕፈት ሽወደን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓቢሩ። ዝለዓለ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ወርሒ የካቲት 2014 ተመዝጊቡ ከምዝነበረ ይዝከር። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን ይዛይድ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ሽወደን ቅልውላው ፈጢሩ ከምዘሎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓላፊት ጨንፈር ትንታነታት ዝኾነት ኣኒካ ሶንዲን ኣብቲ ሰሙናዊ ዝወጽእ ጸብጻብ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢራ።