ሽወደንን ፊንላንድን ውዒለን ሓዲረን ኣባላት ኔቶ ክኾና እየን ዝብል ምሉእ እምነት ከም ዘለዎ፡ ጸሓፊ ኔቶ የንስ ቶለንበርግ ገሊጹ።
ንሱ ነዚ ዝገለጸ፡ ትማል ሰሉስ ምስ ሚኒስተራት ምክልኻል ኔቶ ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ኣኼባ ኣብ ብራስለስ ድሕሪ ምክያዱ
እዩ።
"እቲ ቀንዲ ሕቶ ሽወደንን ፊንላንድን ብሓንሳብ ኣባላት ኔቶ ክኾና ይፍቀደለን ዶ ዝብል ኣይኮነን። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ብዝተኻእለ ኣብ
ቀረባ እዋን ምሉእ ኣባላት ኔቶ ክኾና እየን ዝብል እዩ" ክብል ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶለንበርግ ትማል ሰሉስ ገሊጹ።
እዚ እናኾነ፡ ፊንላንድ ብዘይ ሽወደን ንበይና ናብ ኔቶ ክትግስግስ እያ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን
ፖል ጆንሰን ኣመልኪቱ’ሎ።