ካብ ምኽሳት ለበዳ ኮሮና ንደሓር፡ ሽወደን ካብ ካልእ ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዝለዓለ ዜጋታት ብሪጣንያ ካብ ሃገራ ምስጓጓ፡
እንተኾነ ግና እዚ ምስጓጒ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ምስቲ ለበዳ እተተሓሓዘ ምንባሩ፥ ስታቲስቲክስ ኣውሮጳዊ ሕብረት “ዩሮስታት”
ኣብ ዘውጽኦ ኣሃዝ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ዩሮስታት ዝዘርግሖ ኣሃዛት ሽወደን ኣብ ዓመታት 2021 ከምኡ’ውን 2022 ብልክዕ
1,100 ዜጋታት ብሪጣንያ ምስጓጓ፡ እዚ ድማ ብቐጥታ ምስ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ ሕብረት (Brexit)
እተተሓሓዘ እዩ ተባሂሉ ተተርጒሙ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ኣብ 2021 ሚንስትሪ ስደተኛታት ኣስታት 200 ዜጋታት ብሪጣንያ ካብ
ሽወደን ምስጓጒ፡ እንተኾነ ግና እዚ ምስ ኣብ ተመሳስሊ ዓመት ብደንማርክ ዝተሰጐጒ ዜጋታት ብሪጣንያ እንክወዳደር ብሰለስተ
ዕጽፊ ዝዓቢ ምንባሩን ሬድዮ ሽወደን ነቲ ሚኒስተሪ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። እንተኾነ ግና ሃገራት ዝኽተላኦ ናይ ምጽብጻብን
ካልእን ፖሊሲታት ዝፈላለ ምዃኑ እዚ ፍልልያት ኣሃዝ ንክኽሰት ምኽንያት ምዃኑ እቲ ሚኒስተሪ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብ
ደንማርክ ካብ ናይ ሽወደን ዝበዝሑ ዜጋታት ብሪጣንያ ይቕመጡ ምንባሮም ዝፍለጥ እዩ።
ይዂንምበር 90% ካብዞም ናይ ምስጓጒ ትእዛዛት ምስ ናይ ኮቪድ ሕጊታት እተተሓሓዙ ምንባሮም፥ ዩሮስታት ን ፖሊስ ሽወደን
ብምጥቃስ ገሊጹ’ሎ።