ረብሓታት ሽወደን ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝደልዩ ኣካላት፥ ነታ ሃገር ዒላማ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይገብርዋ ምህላዎም፥ ሚኒስተር ሲቪል
ምክልኻል ካርል ኦስካር ቦህሊን ትማል ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ። እቲ ሚኒስተር፡ ብሩስያ ዝድገፉ ኣካላትን
ካልኦትን፡ መንግስቲ ሽወደን ከም ቁርኣን ዝኣመሰሉ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምርኻሶም ተሓታቲ ምዃኑ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይዝርግሑ
ከም ዘለዉ ገሊጹ። ኣብ ኤጀንሲ ምክልኻል ስነ-ልቦና ሽወደን ሓላፊ ርክባት ሚካኤል ኦስትሉንድ'ውን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ
ከም ዝነበረን፡ ህዝቢ ኣብ ኢንተርነት ብኦንላይን ዝረኽብዎ ሓበሬታ "ብዛዕባ ምንጩ” ነቐፌታዊ ኣመለኻኽታ ከማዕብሉ ከም
ዝግባእ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።