መንግስቲ ሽወደን ኣብ ምዕራብ ሽወደን ኣውራጃ ስኬን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ሓለዋ መጠኑ ምስፍሑ ተገሊጹ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሚካኤል ዳምፐሪ ዛዕባ ምስፋሕ ዶባት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሸንገንን እዂላት ኣይኰኑን ኢሉ። ንሱ ወሲኹ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኤጀንሲ ዶባት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ከባቢ ዶባት ኣውሮጳ ንዘለዋ ሃገራት ንምሕጋዝ ዓበይቲ ጻዕሪታት የካይድ ምህላዉ እንተኾነ ግና ካብ ሳልሳይ ሃገራት ኣብ ዝመጹ ሰባት ዘሎ ቚጽጽር ዘዕግብ ከም ዘይኰነ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ወኪል ጸጥታ ሽወደን ንጸጥታዊ ስግኣት ግብረ ሽበራ ካብ ዝነበሮ ምዝያዱ፥ እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ቱርክ ኣብ ሶርያ ትገብሮ ዘላ ምትእትታው ዝመጸ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኣብ ዶባት ዘሎ ቊጽጽር ፖሊስ ኣንጻር ኣህጒራዊ ገበናት ኣብ ዝገብርዎ ቅልስ ተወሳኺ ጸዓት ከም ዝሃቦም ዝገለጸ ሚኒስተር ዝበዝሑ ጒጅለ ገበናት ስግረ ዶባዊ ምንጪ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ’ሎ።