ኣብ ሴይሎን ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ዋዕላ-ምክልኻል፥ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ መንግስታ ነታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ዩክሬይን ኣመልኪቱ ናብ ኢራን መርማሪት ሽማግለ ክልእኽ ምዃኑን፥ እንተኾነ ኢራን እገዳ ክጸዓና ኣለዎዶ የብሉን ኣብ ዝብል ሕቶ ዛጊት መንግስታ መርገጺ ዘይምውሳዱ ኣመልኪታ። ንሳ ሚኒስትሪኣ ምስ ኤምባሲ ሽወደን ኣብ ጤህራን ብሓባር ብምዃን ክኢላታት ቴክኒሻናት ክትልእኽ ምድላዋ ገሊጻ’ላ።
“ሕጂ ብዝለዓለ ቀዳምነት እንዓዮ ዘሎና ኣብዚ መርማሪት ኮሚተ ምስታፍ፡ ካብ ሞት ንዝተረፉ ግዳያት ነናብ ሃገሮም ምፍናውን ጒዳይ ካሕሳ ንቤተሰብ ግድያት ዝብሉን እዮም” ኢላ’ላ። “ምስ ኣወሃሃዲት ጒጅለ ሚኒስተራት ወጻኢ ግዳያት ብቕርበት ንሰርሕ ኣሎና። እዛ ጒጅለ ብተበግሶ ሽወደንን ካናዳን ዝተጣየሰት ኮይና ናይ ሎም ምሸት ሓዊስካ ዛጊት ክልተ ናይ ተሌፎን ርክባት ጌርና ኣሎና” ክትብል ድማ ወሲኻ ገሊጻ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኢራን መሓመድ ዣቫድ ዛሪፍ በቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ይቕሬታ ምሕታቱ ዝጠቅስ ነዊሕ ጽሑፍ ከም ዝተላእከላ እውን ኣብ መወዳእታ ጠቒሳ’ላ።