ሽወደን ፕረሲደንት ቆንስል ኣውሮጳዊ ሕብረት ኮይና ኣብእትመርሓሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕፖለቲከኛታትን ሲቪላዊ ሰራሕተኛታትን ሽወደን ኣብ ብራስለስ—ላክሰምበርግ—ልዕሊ 2000 ኣኼባታት ክጽውዑ ከም ዝኽእሉይግለጽ ኣሎ። ድሕነት፡ ተወዳዳርነት፡ ጸዓት፡ ዴሞክራስያዊክብርትታን ግዝኣተ ሕጊን ቀዳነምነታት ናይዞም ኣብ ኣውሮጳዝካየዱ ኣኼባታት ከም ዝኸውን መንግስቲ ሽወደንኣመልኪቱ’ሎ።
ሽወደን ኣብዚ እዋን ፕረሲደንትነታ ብዙሕ ክትዓዪ እያ ዝብል“ልዑል ትጽቢት” ምህላዉ፡ ኣብ ሬድዮ ሽወደን ሪፖርተርኣውሮጳዊ ሕብረት ያን ኣንደርሾን ገሊጹ’ሎ።