ሽወደን: እዝዚ ሓይሊ ዕማም: ናይቲ ኣብ ማሊ ዝርከብን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአን ሓይሊ: ክትርከብ ምዃና ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።
እዝዚ ሓይሊ ዕማም: ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዞባ ሳሕል ዝንቀሳቐሱ ግብረሽበራውያን ጂሃድ ንምቅላስ: ስርሒታት ከም ዘካይድ ዝፍለጥ እዩ።
ነቲ ሓይሊ ዕማም ዝእዝዝ ሽወደናዊ ኮሎኔል ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኣብዚ ናይ ሞትን ህይወትን ዝኾነ ስርሒት ኣዛዚ ኮይነ ብምሻመይ ክብሪ ይስማዓኒ” ምባሉ TT ወሲኻ ሓቢራ። ኣብዚ እዝዚ: ቀንዲ ዕማምና ኣብዚ ብግብረሽበራውያን ዝተሃስየ ሃገርን ዞባን ኣብ ሜዳ ንዝንቀሳቐሱ ሰራዊት ማሊ ምምእዛንን ምሕጋዝን እዩ፥ ኣብ ታኩባ ዘለዉ ፍሉያት ሓይልታት ብግቡእ ዝዓጠቑ ብምዃኖም ስሩዕ ሰራዊት ንምሕጋዝ ብቐሊሉ ክዋፈሩ ይኽእሉ እዮም ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።
ፈረንሳ እዝዚ ሓይሊ ዕማም ንሽወደን ንምርካብ ኣብ ምቅርራብ ምህላዋ እውን ተመልኪቱ።