ሓንቲ ጋዜጣ ስጳኛ ነቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ኣገባብ ምንኣዳ ተገሊጹ። እታ ጋዜጣ ኣብ ሽወደን ስራሕ ምስኣን ማለት ክንድቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝረአ ሓለፋታት መዓልታዊ ህይወትካ ማለት ክንክን ጥዕናን ፋይናንስን ምስኣን ከም ዘየስዕብ ብምጥቃስ ማሕበራዊ ድሕነት ንሽወደናውያን ውሕስነት ክስምዖምን ስራሕ ዘይብሎም ምስ ግዜ ክረኽቡን ከም ዝሕግዝ ኣብሪሃ። ሽወደን ብሃገር ደረጃ ካብ ስራሕ ንዝተሰናበቱ ብብሕቲ ዝሕግዝ ኣገባብ ከም ዘለዋን 16 ዝኾና ንዝተፈላለየ ጽላታት ቊጠባ ዝሽፍናን ሞያ ሰራሕተኛታት ዘደንፍዓን ማሕበራት ምህላወንን ድማ ገሊጻ።
እዘን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ዝሓሸ ክእለት ደሊቦም ናብ ዕዳጋ ሽቕለት ዳግማይ ክቕልቀሉ ከም ዝገብር እውን እታ ጋዜጣ ኣብሪሃ። በዚ ድማ ሽወደን ኣብ ዓለም እታ ዝበለጸት ስራሕ ኣልቦ ሰባት ዝጸንሑላ ሃገር እያ ክትብል እታ ጋዜጣ ትገልጽ። 90 ሚእታዊት ካብቶም ካብ ስራሕ ዝሰናበቱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተመሊሶም ናብ ዕዳጋ ሽቕለት ይምለሱ ምዃኖምን ድማ ኣመልኪታ።
ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ካብ ስራሕ ንዝተሰናበቱ ዝሕግዝ ስርዓት ዘይምህላዉ ዝጠቐሰ እዚ ሓበሬታ ፈረንሳ፥ በልጄምን ሆላንድን ከም ኣብነት ረቚሓ። ብዘይካዚ ሽወደን ንደለይቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ዝዓለሙ ብመንግስቲ ዝካየዱ ናይ ሽቅለት ማእከላት ከም እተዳልው እታ ጋዜጣ ኣብሪሃ’ላ። እዚ ነቶም ንንውሕ ዝበለ ግዜያት ብዘይ ስራሕ ዝጸንሑ ንምሕጋዝ ዝነጥፍ ኣገባብ ኮይኑ ኣብ ቀረባ እዋናት ናብ ሽወደን ንዝመጹ ስደተኛታት እውን ይሕግዝ እዩ ኢላ።