ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትርምፕ ብዛዕባ ሽወደን እትኽተሎ ኣገባብ መኸተ ለበዳ ኮሮና ዝጸንሖ ኣተሓሳስባ ብምቕያር ትማሊ ኣድናቖቱ ምልጋሱ ተፈሊጡ። ንሱ” ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ዜጋታቱ ኣብ ቤት ክውሸቡ ምንጋር ኣየድልዮን እዩ፥ ብቕጽበት እዮም ተግቢሮሞ” ምባሉ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። ትራምፕ ኣቐዲሙ ንስትራቴጂ ሽወደን ብትሪ ምቅዋሙን ኣመሪካ እዚ ኣገባብ እንተትጥቀም ኔራ ዛጊት ክልተ ሚልዮን ሰባት ምሞቱና ኔሮም ምባሉን ይጥቀስ’ዩ። እንተኾነ ግና እቲ ፕረሲደንት ትማሊ፡ምስ ሓለፍቲ ኲባንያታት ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ “ዘይከም ካልኦት ኣገባብ ዝልቕ ዝበለ እኳ እንተኾነ ስትራቴጂ ሽውደን ዝዕወት ይመስል ኣሎ” ክብል ንስም ቀዳማይ ሚኒስተር ሽውደን ስተፋን ሉፊን ከይጠቐሰ ምንኣዱ ድማ ተገሊጹ።
“ሽወደናውያን ብኢድ ምጭብባጥን ምትሕቚቛፍን ተሓሪሞም ጥራይ ዘይኮነ ባራቶምብ ኣባይቶምን እውን ዓጽዮም እዮም ኣሕሊፎሞ” ኢሉ። ሽወደን ኣብ መኸተ እዚ ቫይረስ ብኣብነት ክትጥቀስ ዝኽእል ዓወት ዘመዝገበት ሃገር ኮይና’ላ ክብል ድማ ንኢዱ። “ሽወደናውያን ንሕጊታት ምፍንታትን ምዕጻው ኲባንያታትን ኣብ ባራት ደው ዘይምባልን ብግቡእ እዮም ተግቢሮሞ”። ብዙሓት ኣብያተ መግቢን ባራትን ሽወደን መዓጹአን ንዓማዊል ይኸፍታ ምህላወን እንተኾነ ግና ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሰባት ዕጒግ ከይብሉ መምርሒ ምውጽኡ ይፍለጥ። ኣብ ኣመሪካ መዓስን ብኸመይን ኣገባብ ናብ ምኽፋት ንሰጋገር ኣብ ዝብል ክትዓት እዩ እዚ ርእይቶታት ትራምፕ ተሰሚዑ ዘሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ስትራቴጂ መኸተ ሽወደን ንኣህጒር ኣውሮጳ ኣብነት ዝኸውን ዕዉት ኣገባብ እዩ ክብል ናእዳኡ ምሃቡ ዝዝከር እዩ።