57% ሸወደናውያን ሃገሮም ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (NATO) ክትከውን ከም ዝጠልቡ ፖልስተር ደሞስኮፕ ዘዳለዎ ሓደ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዚ ቊጽሪ 51% ጥራይ ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ብፍላይ እቶም ንሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ሽወደን ዴሞክራትስን ድምጾም ዝህቡ ሽወደናውያን ሃገሮም ናብ ኔቶ ኣባል ክትከውን ከም ዝደልዩ እዩ ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ዘሎ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ቃልዕ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ እዘን ክልተ ሰልፊታት ገምጋመን ብምኽላስ ሽወደን ኣባል ኔቶ ምዃን የዋጽኣ እዩ ዝብል መርገጺ ክሕዛ ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ። ጸጋማዊ ዝንባለታት ዘንጸባርቕ ርእሰ ዓንቀጽ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ኣለዋ ዝብል ደገፉ ድሕሪ ምሃቡ፡ እዚ ጸብጻብ ኣብታ ጋዜጣ ተሓቲሙ ምውጽኡ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።