ኩሎም ሓተቲ ዑቕባ፥ ሕቶኦም ክሳብ መልሲ ዝረክብ ኣብ ፍሉይ መንበሪ ክጸንሑ –እቶም ነዚ ክፍጽሙ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ግና
መመልከቲኦም ክስረዝ ከም ዝኽእል መንግስትን ሰልፊ ዴሞክራስ ሽወደንን ገሊጾም። እዚ ምቛም ማእከላት መሰጋገሪ ሓተትቲ
ዑቕባ ዝበል ሓሳብ፥ ኣካል ስምምዕ ቲዶ ኮይኑ፡ እቲ ጉዳይ ን መስርሕ ሓተትቲ ዑቕባ ኣመልኪቱ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ መርመራ
ብተወሳኺ ክረአ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
እቲ መርመራ፡ ኣብ መስርሕ ምጽራይ ሕቶ ዕቚባኦም፥ ኣብ ከምኒ ክንክን ጥዕናን ካልእ ዝምሰሉ ጒዳያት ገንዘባዊ ኣበርክቶ
ብዛዕባ ዝገብሩሉ ዕድላት እውን ክርኢ እዩ። ውጽኢት እዚ መርመራ ኣብ ዝመጽእ ግንቦት ዕላዊ ክግበር እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን
ጸብጺባ’ላ።