ብመሰረት ስታቲስቲካዊ፡መጽናዕቲታት ፓስፖርቲታት ዓለም ፓስፖርት ሽወደን ራብዓይ ዝበለጸ ደረጃ ሒዙ’ሎ። እዚ ምደባ ከምኒ ድረጃ ቊጠባ፥ ሰብኣዊ ምዕባለ፥ ርግኣት፥ ህዝባዊ ስርዓት፥ ናይ ምንቅስቓስን ኣብ ካልእ ሃገር ናይ ምስራሕን ዝበሉ ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ፓስፖርት ፈረንሳ ንተኸታታሊ ሸሞንተ ዓመታት ካብ ሚእቲ 83.5 ነጥቢ ብምርካብ ቀዳማይ ደረጃ ምሓዙ ድማ ተፈሊጡ።
ብኻልኣይ ደረጃ እተሰርዐት ጀርመን (81.7) ሳልሳይ ደረጃ ዴንማርክ (81.5) ስዒበን ድማ ኣይስላንድ፥ ፊንላንድ፥ ጣልያን፥ ብሪጣንያ፥ ኣየርላንድን ስፔይንን ተሰሪዐን ኣለዋ። ዝበለጸ ዓረባዊ ፓስፖርት ናይ ኢማራት ኮይኑ ብደረጃ ዓለም መበል 42 ተመዲቡ’ሎ። ኩዌይት መበል 70 ደሴታት ቻነል ከኣ ብደረጃ 160 ኣብ መወዳእታ ተሰሪዐን ኣለዋ። ዜጋታት ሽውደን ብዘይ ቪዛ ናብ 182 ሃገራት ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ኣብቲ ምደባ ተመልኪቱ’ሎ።