ብማእከላይን ሊበራልውያን ሰልፊታት ድጋፍ ዝረኸበ መንግስታዊ ተበግሶ ብዛዕባ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሽወደን ካልኦት ሃገራትን ዘለዋ ኣጠማምታን ባህሪ ዝምድናታትን ዘጽንዕን ኣፍልጦ ንምዕባይ ዝሕግዝን ሓድሽ ማእከል ምርምር ምቛሙ ተገሊጹ።
“ቻይና ምስ ሽወደን ዘለዋ ዝምድና ኣብ ምንታይ ዝተሃንጸ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ” ክትብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኣን ሊንድ፡ ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢራ።
ሰልፊ ማእከል ኣብ ትሕቲ ምክትታል ኣሃዱ ወጻኢ ፖሊሲታት ከም ዝኸውንን ንትካላት መንግስቲ ከርብሖ ዝኽእል ዶኮመንታት ምቕራብ ድማ እቲ ቀንዲ ዕማሙ ምዃኑ ተሓቢሩ።
“ኣገዳስነት ቻይና እናወሰኸ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሕ ብድሆን ዕድላትን ዝሓዘለ ኣጋጣሚታት ክፍጠር እዩ” ክትብል ሊንድ ኣመልኪታ።
እዚ ማእከል ሓበሬታ መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ዘዳለዎ ንስትራተጂካዊ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ቻይና ዝምልከት ዝቐረበ ፕሮጀክት ምዃኑ ተሓቢሩ።
ዳይረክተር ጀነራል እዚ ማእከል ገና ከም ዘይተሰየመን ክሳብ 4 ሚልዮም ክሮና ዝኸውን ባጀት ክስላዓሉ ምዃኑን ድማ ተሓቢሩ። ዝመጽእ ዓመት እዚ ባጀት ናብ 8 ቢልዮን ክብ ክብል ምዃኑ ኣብ 2022 ድማ 12 ሚልዮን ክኸውን እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ቀጻሊ ድማ ንሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ፡ ሩስያን ምውራድ ኑክሌራዊ ኣጽዋራትን ዝከታተል ማእከላት መጽናዕቲ ክምስረት ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዋዕላ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኣውሮጳ፡ ሊንድ፡ ቻይና ንሉኣላውነት ሆንግኮንግ ብምግሃሳ እገዳ ክግበረላ ጻዊዕት ኣቕሪባ ምንባራን እንተኾነ ግና እቲ ጻውዒት ተቐባልነት ከም ዘይረኸበን ዝዝከር እዩ። ሚኒስተራት ወጻኢ ሃገራት ኣውሮጳ ብተግባራት ቻይና ሻቕሎት ከም ዝሓደሮም ምግላጾም ይዝከር።