ሽወደን ኣብ ዓመተ 2008 ካብ ዘጋጠመ ዓለምለኸ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንደሓር ዝዓበየ ምንቊልቋል ኢንዱስትርያዊ ምልክታት ኣጋጢምዋ ተባሂሉ። ዓቕሚ ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ሽወደን ወርሒ መስከረም ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ናብ 46.3 ሚእታዊት ምጒዳሉ ተገሊጹ። እዚ ዕብየት ኣብ 52 ሚእታዊት ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ ድሕሪ ጽድያ 2008 ዘጋጠመ ዓለመለኻዊ ፋይናንሳዊ ቅልውላው እቲ ዝዓበየ ወርሓዊ ምንቊልቋል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት ኢንፍራንት ሓበሬታ ዝገበሮ ዳህሳስ። ሰለስተ ካብዘን ሓሙሽተ ንኡሳን መመልከቲቶታት እዚ ወርሒ ንባዕለን እተን ዝዓበየ ምንቊልቋል ምርኣየን ተመልኪቱ’ሎ።