መንግስቲ ሽወደን ዩክሬይን ዳግማይ ንምህናጽ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ንምድጋፍ ዝዓለመ ሓድሽ ናይ 6 ቢልዮን ክሮና ፓኬጅ ሎሚ
ኣቕሪቡ፡ እዚ ድማ ክሳብ ታሕሳስ 2027 ዝጸንሕ እዩ። እቲ ፓኬጅ ሓገዝ ቁጠባዊ ልምዓት፣ ድሕንትን ሰብኣዊ መሰላትን
እናደገፈ፥ መሰረተ ልምዓት ዳግም ንምህናጽ ዝዓለመ እዩ። ሚኒስተር “ኣህጉራዊ ምትሕብባር ልምዓት” ዮሃን ፎሸል ንሬድዮ
ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ደብዳብ ሩስያ ኣብ መሰረተ ልምዓት ዩክሬይን ገዚፍ ዕንወት ምውራዱን፥ ኣስታት 14 ሚልዮን
ካብ ህዝቢ ዩክሬይን ከኣ ንስደት ከም እተቓልዐን ገሊጹ’ሎ። በዚ ድማ መንግስቲ ሸወደን፥ ዩክሬይን ካብ ምጥፋእ ንኽትድሕን ኣብ
ዝገብር ጻዕርታት እዚ ደገፍ ክቕጽለሉ ምዃኑ ፎሸል ወሲኹ ኣመልኪቱ። ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሽወደን ዝለኣኸቶ
ዝዓበየ መጠን ገንዘብ እዩ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።