ሸወደናዊ ማሕበር ንግድ፥ ሽወደናውያን ኣብዚ ሰሙን ዳርጋ 9 ቢልዮን ክሮነር ከውጽኡ ትጽቢት ከምዘለዎ፥ እዚ ድማ ኣብ ዝሓ፡አፈ “ሸመታ ጸላም ዓርቢ” ጥርዙ ምብጽሑን ተገሊጹ። ገለ ሰባት ግና ኣብክንድዚ ጨሪሶም ዝኾነ ክገዝኡ ኣይመርጹን። ኤሚልያ ኣርቪድሰን ጸሓፊትን ኣፈኛን ናይቲ ኢን ሸፕፍሪ ዳግ& ወይ ምንም ኣይትግዛእ ዝስማ መዓልቲ እያ። ንሳ እዚ ኲነታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሸመታ ክትገብር ዝደፋፍእ እዩ ኢላ ከም እትኣምን፥ ኣብ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ከኣ ዝኾነ ነገር ከምዘይገዛአት ትገልጽ። ካልኦት ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶም ሸማቶ ብወገኖም ዋጋታት ሕስር ዝበለ እኳ እንተኾነ፡ ግድን የድልየና እዩ ዝብልዎ ኣቕሑ ኣብ ምግዛእ ጥራይ ከተኲሩ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።