ኣብ መላእ ሽወደን መርመራታት ኮሮና ንምክያድ፡ መንግስቲ፡ ሰሙናዊ ክሳብ 270 ሚልዮን ክሮና ወጻኢ ክገብር ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቁጽሪ ዝካየዱ መርመራታት ክውስኽ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ሎሚ፡ ጻውዒት ምቕራቡን ተገሊጹ።
ኣብ መበል 44 ሰሙን፡ ሽወደን፡ 193293 ናይ ኮሮና መርመራታት ምክያዳን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመሰረት መንግስቲ ሽወደን ምስ ማሕበር ምምሕዳራት ከተማ ዝገበሮ ውዕል፡ ዋጋ ናይ ነፍሲ ወከፍ መርመራ 1400 ክሮና ክኸውን ከም እትወሰነ ተሓቢሩ።
ዋጋ መርመራ፡ ንኹሎም ኣድለይቲ ትሕተቕርጻ መርመራ ማለት ካብ ዶክተር ዘህልኾ ግዜ ክሳብ ውጽኢት መርመራ ዘሎ መስርሕ ሕክምና ኣብ ግምት ብምእታው ዝግበር ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ።
ሰሙናዊ ክሳብ 200 ሽሕ መርመራታት ከም ዝግበር ዝሓበረ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ኣብ ብዝሒ ቁጽሪ መርመራ፡ ውሱንነት ዝበሃል ክህሉ ኣይግባእን ብምባል እቲ ቁጽሪ ክውስኽ፡ ካረን ዌሰል፡ ጠለብ ኣቕሪቡ ምህላዉ ተገሊጹ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።
ቁጽሪ መርመራታት፡ ብምኽንያት ክምርመሩ ዝደልዩ ሰባት ምንሃሩ፡ ንኣሳልጦ ስራሕ ዓንቂፉና ኣሎ። ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ናይ ኮሮና ዝመሳሰሉ ምልክታት ሕማም ብምርኣዮም መርመራ ክገብሩ ብምጥላቦም ተወሳኺ ጽቕጢ ይፈጥሩ ምህላዎም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እዚ ኩነታት፡ ካብ ምምሕዳር ናብ ምምሕዳር ከም ዝፈላለ፡ እንተኾነ፡ ሽወደን ብሓፈሻ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምንጽጻር ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ምህላዋ ዝምልከቶም ወገናት ይሕብሩ።