ሽልማት ኖቤል ሰላም 2022፡ ኣብ ማእሰርቲ ንዝርከብ ቤላሩስያዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣለስ ቢያሊያስኪ፡ ትካል “መዘክር
ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ” ከምኡ’ውን “ማእከል ህዝባዊ ሓርነታት” ን ዝተባህለ ዩክሬናዊ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት ተዋሂቡ። ነዚ
ሽልማት ዝዓደለ ኮሚተ ኖቤል ኖርወይ፡ ን ቢያሊያትስኪ ሓደ ካብቶም ኣብ 1980ታት ኣብ ቤላሩስ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓሳት
ዝጀመሩ ወጋእቲ ፋና ሓርነት ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ብዘይካዚ ውድብ “መዘክር”፡ መንግስቲ ሩስያ ዝፈጸሞ ምግሃስ ሰብኣዊ
መሰላት ብእርይ ቁጽር ብምስናዱ እቲ ኮሚተ ሞጊሱዎ’ሎ። ብተመሳሳሊ ውድብ “ማእከል ህዝባዊ ሓርነታት” ዩክሬይን፡ ድሕሪ
ወራር ሩስያ ኣብታ ሃገር ዝተፈጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝርዝር ብምቅላዑ ነዚ ሽልማት በቒዖም ምህላዎም፡ እቲ ኮሚተ
ወሲኹ ኣረዲኡ’ሎ።
“ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዘለዉ ን ዴሞክራስያዊ ስርዓት ዝቖሙ ድምጺታት ክድገፉ ኣገዳሲ እዩ” ክትብል ዋና ዳይረክተር ውድብ
“ማእከል ህዝባዊ ሓርነታት” ኦለክሳንድራ ሮማንሶቫ ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣመልኪታ’ላ።