ውሩይ ስጳኛዊ ደራፋይ ራፕ ፓብሎ ሃሰል ካብቲ እተዓቚበሉ ዩኒቨርሲት ተታሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ተገሊጹ። ፖሊስ ካታላን ናብ ዩኒቨርሲቲ ሌይዳ ብምእታው እዮም ነቲ ምስ ደገፍቱ ኣብኡ ዝነበረ ፓብሎ ቀዪዶሞ። ሃስል ን ግብረሽበራ ብምውዳሱን ንንግስነት እታ ሃገር ብምንሻዉን ብዝብል ክሲታት ናይ ትሽዓተ ወርሒ ማእሰርቲ ከም ዝጽበዮ ቢቢሲ ሓቢሩ። ንሱ ዝሓለፈ ሰሙን ንገዛእ ርእሱ ናብ ሕጊ ከቕርብ እኳ ሕቶ ቀሪብሉ እንተነበረ ነቲ ሕጊ ከም ዝነጸጎ ይፍለጥ። ድሕሪ ክልተ ሰዓታት እቲ ቀይዲ ብ፡ፖሊስ እናተወስደ ድማ “ኣፍና ክዓብሱና ኣይክእሉን እዮም፥ ሞት ንፋሺስታውያን” እናበለ ከም ዝጨርሐ ቢቢሲ ወሲኻ ሓቢራ። ብደርዘናት ዝቚጸሩ ደገፍቱ ኣብ ኣፍደገ ዩኒቨርሲቲ ልሌይዳ መሰናኽል ብምግባር ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ናይ እሳት መከላኸሊ ብምንጻግ ተቓውሞኦም ገሊጾም እዮም። ኣፈኛ ፖሊስ ካታላን ን ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሰብመዚ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ንምስላጥ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ምእታዎም ሓቢሩ። ሃሰል ቅድሚ ምትሓዙ ኣብ ዝነበረ ለይቲ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ “ፖሊስ ክሕዙኑ ምዃኖም እፈልጥ እየ፥ ክሳደይ ግና ብምንም ተኣምር ኣየድንናን እየ” ኢሉ ኔሩ።